Du är här:

ሃገራውያን ጉጅለ ህዝቢታት

Nationella minoriteter

ሃገር ሽወደን ዝፈለጠትሎም ሃገራውያን ውሑዳት ጉጅለ-ህዝቢታት ኣሎዉ። ንሳቶም ድማ፤ ”ሮመር”፡ ”ቶርነ-ዳሊንጋር”፡ ”ኣይሁድ”ን ”ሽወደናዊ-ፊንለንዳውያን” እዮም። ሃገር ሽወደን ናይቶም ሃገራውያን ውሑዳት ጉጅለ ህዝቢታት፤ ጽልዋ ንምግባር ዘኽእልን፤ ንቛንቋታት ፊኒሽ፡ ዪዲሽ፡ መአንከይሊ፡ ሮማኒን ንምሕያልን ዘሰጉም ዕድላትን ንኽወሃቦም፤ ኣብ ሕጉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ንስኻ ሓደ ኣባል ናይዞም ዝተጠቕሱ ሃገራውያን ውሑዳት ጉጅለ-ህዝቢታት ምስ ትኸውን፤ ቋንቋኻ ንኽትመሃርን ንኸተማዕብልን፤ መሰል ኣሎካ።

ብፍላይ እቶም ፊኒሽ፡ መአንከይሊን ሳሚስካን ዝዛረቡ ዓሊታት፤ ሓያል ዝኾነ መሰል ዘሎዎም እዮም። ንስኻ ቋንቋ ፊኒሽ፡ መአንከይሊ ወይ ሳሚስካ ትዛረብ ምስ ትኸውን፤ ነቲ ቋንቋ ዚመልኩ ሰራሕተኛታት እንተ ተረኺቦም፤ ብቛንቋኻ ዚዛረብ ናይ ኣረጋውያን-መቐመጢ ቦታ ንኽትረክብ፤ ምስ ቤተስልጣን ርክብ ግበር። እቲ እጥቕመጠሉ ኮሙን፤ ናይዞም ፊኒሽ፡ መአንከይሊ ወይ ሳሚስካ ቋንቋታት ዚዘረቡሉ ምምሕዳዊ-ከባቢ ምስ ዚኸውን፤ ምስቲ ኮሙን ብቛንቋኻ ክትራኸቦምን፤ ንሳቶም ውን ብቋንቋኻ ብጽሑፍን ብቓልን ክምልሹልካ ክኽእሉ ኣሎዎም። ኣብ ርእሲኡውን ናይ ሓልዮት-ቈልዑ ኣገልግሎትን ናይ ሓልዮት-ኣረጋውያን ብምሉኡ ወይ ብኸፊል፤ ብቛንቋ ፊኒሽ፡ መአንከይሊ ወይ ሳሚስካ ዚዝረቦ ኣገልግሎታት ክትረክብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ኦርንሾልድስቪክ ኮሙን፤ ካብ 2016 ጀሚሩ፤ ናይ ፊኒሽ-ቋንቋ ዚዝረቦ ምምሕዳርዊ-ከባቢ ንኽኸውን ምልክታ ኣቕሪቡ ኣሎ። ከምኡውን ናይ ሳሚስካ-ቋንቋ ምምሕዳራዊ-ከባቢ ንምዃን ምልክታ ንምቕራብ፤ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣሎ።

Sidan uppdaterades

2017-01-30

Sidansvarig: