ቅሳነትን ሓለዋን

Trygghet och säkerhet

ናይ ባርዕ-ሓዊ ሓደጋ ወይ ካልእ ከቢድ ሓደጋ ምስ ዚፍጸም፤ ኩሉ እዋን ናብቲ ህጹጽ-ረዴት ዚርከበሉ ቁጽሪ ቴሌፎን 112 ደውል። እቲ ትድውሎ ስልኪ ናብ ”SOS Alarm” ምስ መጸ፤ ብህጹጽ ሓገዝ መታን ኪርከብ፤ ከከምቲ ናይ እዋኑ ዚድለ ሓገዛት፤ ናብ ፖሊስ ወይ ኣምቡላንስ ወይ መጥፋእቲ-ሓዊ ይተሓላለፍ። ኣብዚ ናይ ”ኤስ.ኦ.ኤስ ኣላርም” (SOS alarm) ኣድራሻ ኢንተርነት፤ ብብዙሕ ቋንቋታት ሓበሬታትት ተጻሒፉ ኣሎ።external link, opens in new window ኣብኡ ድማ መታን ረድኤት ብህጹጽ ክርከብ ክከኣል፤ ብኸመይ ረዳት ከም ትጽውዕን፤ እንታይ ሓበሬታ ክትህብ ከም ዘድሊን ክትፈልጥ ኢኻ።

ሓደ ከቢድ ፍጻሜ ምስ ዘጋጥም
ኣብቲ ሕብረተሰብ ሓደ ከቢድ ፍጻሜ ምስ ዘጋጥም፤ ንኣብነት መርዛዊ-ጋዝ ምስ ዚብተን፤ ናይ መጠንቀቕታ-ድምጺ (varningssignal) ጥሩምባ የድሂ እዩ። ዓው ብዝበለ ናይ ጥሩምባ ድምጺ፤ ን7 ሰከንድ ይንፋሕ። ብድሕሪኡ ን14 ሰከንድ ኣቋሪጹ ድማ፤ ከም ብሓድሽ ን7 ሰከንድ ብዓቢ ድምጺ ደጊሙ የድሂ። ከምኡ እንዳተደጋገም ድማ፤ ብውሑዱ ን2 ደቒቕ ዝኸውን፤ እቲ ጥሩምባ ምንፋሕ ይቕጽል።

ነዚ ናይ መጠንቀቕታ-ድምጺ እዚ ምስ ሰማዕካ፤ ኣቲኻ ነቲ ናይ ቤትካ ማዓጹን መሳኹቲን፤ ነቲ ንፋስ-መእተዊታትን ክትዓጽዎ ይግባእ። ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ናይ ከባቢ ራድዮ (P4) ዝተሓላለፍ ከፊትካ፤ እንታይ ከም ዘጋጠመን እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካን ክትፈልጥ ኢኻ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ሓደገኛ ኩነት፤ ኣብ ናይ ኮሙን ኢንተርነት
ሓደጋ ወይ ንሕብረተሰብ ኦርንሾልድስቪክ ዘጻግም ገለ ምብልሻው እንተ ኣጋጠመ፤ እቲ ኮሙን ብዛዕባኡ ሓበሬታ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነትን ኣብ ፈይስ-ቡክን የውጽእ እዩ። (እቲ ሓበሬታ ብቛንቋ ሽወደን እዩ ዚወሃብ)። እዚ ድማ ንኣብነት ናይ መገዲ-ማይ ምብልሻው፤ ናይ ባርዕ-ሓዊ ወይ ኤሌትሪክ ዘጥፍእ፤ ናይ ምንዋጽ ጠባይ-ኣየር ከጋጥም ከሎ እዩ።  

መጠንቀቕታ ባርዕ-ሓዊ
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ቤት፤ መጠንቀቕታ ባርዕ-ሓዊ ክህሉ ይግባእ። እቲ መጠንቀቕታ ባርዕ-ሓዊ፤ ኣብቲ ናሕሲ ናይቲ ገዛ ኢኻ ብቪተ ጌርካ ተገጥሞ። ትኪን ሙቐትን ምስ ዘጋጥም ድማ፤ እቲ መጠንቀቕታ ባርዕ-ሓዊ ነቶም ተቐማጦ ናይቲ ቤት ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከድሂ ይጅምር። ነቲ መጠንቀቕታ ባርዕ-ሓዊ ክትገጥሞ ከሎኻ፤ ካብቲ መደቀሲኻ ክትሰምዖ ከም እትኽእል ጌርካ ስርሓዮ። ሓሓሊፍካ ድማ ባተሪ ናይቲ መጠንቀቕታ ባርዕ-ሓዊ ምቕያር ኣይትዘንግዕ።

 

Sidan uppdaterades

2017-01-30

Sidansvarig: