ኣብ መቐመጢ ቤትካ

I bostaden

ቤትካ ንኽተሐድሶ ወይ ኣብቲ መቐመጢ ቤትካ ዘሎ መሬት ተወሳኺ ህንጻ ክትሰርሕ፤ ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ኮሙን ”ፍቓድ ምርካብ”፤ እቲ (bygglov ወይ bygganmälan) ዝተባህለ ፍቓድ ክወሃበካ የድሊ። እዚ ”ፍቓድ ምርካብ” ካብ ቤትጽሕፈት ”ምምሕዳር ማሕበራዊ-ህንጻታት” ”samhällsbyggnadsförvaltningen” ኢኻ ትረኽቦ። ናብቲ ናይ ኮሙን ቴሌፎን ብቑጽሪ፡- 0660-880 00 ደዊልካ፤ ምስቲ ናይቲ እትነብረሉ ከባቢኻ ዝኾነ ”ፍቓድ ናይ ምርካብ” ፈጻሚ-ጉዳያት ሓላፊ፤ ንኽትራኸብ ክትሕገዝ ኢኻ።

ማይን ማይ-ጐሓፍን
ኣብ ሽወደን ብቐጥታ ካብቲ ቡምባ ማይ ክትሰቲ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ኣባይቲ ኣብ ሽወደን፤ ምስቲ ናይ ኮሙን መርበብ ምዕዳል-ማይ ዝተተሓሓዙ እዮም። እቲ ናይ ኮሙን ”ሚቫ” (Miva) ዝተባህለ ኩባንያ፤ ኣብ ኦርንሾልድስቪክ፤ ናይ ማይን ናይ ማይ-ጐሓፍን ስራሕ ሓላፍነት ዘሎዎ እዩ። ምስ ናይዚ ኩባንያ ኣገልግሎት-ዓሚል፤ ብቑጽሪ ቴሌፎን:- 0660-330 400 ወ ኤ-ፖስት:- info@miva.se ርክብ ግበር።

እቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዔላ ዘሎዎ፤ ነቲ ጽሬት ናይቲ ማይን፤ ቅቡልነት ናይቲ ኣገባብ ማይ-ጐሓፍን ሓላፍነት ዝወስደሉ፤ እቲ ዚምልከቶ ሰብ ባዕሉ እዩ። ብዛዕባ ናትካ ማይን፤ ማይ-ጐሓፍን፤ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፤ ምስቲ ናይቲ ኮሙን ”ምምሕዳር ማሕበራዊ-ህንጻታት” (samhällsbyggnadsförvaltning) ርክብ ግበር። ናብቲ ናይቲ ኮሙን ቁጽሪ ቴሌፎን፡- 0660-880 00 ደዊልካ፤ ምስቲ ዝምልከቶ ብዓል ስልጣን ንኽትራኸብ ክሕግዙኻ እዮም።

ዚድርበ ጐሓፋት
ኣብ ናይ ገዛእ ቤትካ (ቢላ) ትቕመጥ ሰብ ምስ ትኸውን፤ ጐሓፋትካ ኣብቲ ናትካ መአከብ-ጐሓፍ ኢኻ ትእርንቦን፤ ነቲ ኮሙን ናይ መውሰዲኡ ገንዘብ እትኸፍልን። ነቲ ጐሓፍካ ምስ ትኸፋፍሎን ባዕልኻ ናብቲ መደበር-ምጽራይ ጐሓፍ ትወስዶ ምስ ትኸውን ግን፤ ነቲ ዚእከብ ብዝሒ-ጐሓፍ ክትንኪ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ ትገብር ድማ፤ እቲ እትኸፍሎ ገንዘብ ዝሓሰረ ይኸውን።

ኣብ ኣፓርትመንት (ርሻን) ትቕመጥ ምስ ትኸውን፤ ጐሓፍካ ናብቲ እንዳ-ጐሓፍ እትወስዶን፤ ከከም-ዓይነቱ ከፋፍሊካ እተቐምጦን፤ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ገዘፍቲ-ጐሓፋት፤ ከም ኣቕሑ-ገዛ፤ ኤሌክትሮኒክ፤ ስነ-ቀመማዊ ነገራትን ናይ ጀርዲን ጐሓፍን፤ ብነጻ ኣብቲ መደበር ምጽራይ-ጐሓፍ (Må återvinningscentral) ወይ ድማ ኣብቲ በብኸባቢኡ ዚርከብ ተንቀሳቓሲ ኮንተይነራት ክትገብዶ ትኽእል ኢኻ።

 

Sidan uppdaterades

2017-01-30

Sidansvarig: