Du är här:

ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን

Hälso- och sjukvård

እቲ ”ወረዳዊ-ባይቶን” (Landstinget) እቲ ኮሙንን ”kommunen”፤ ነቲ ሓላፍነታት ”ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን”፤ ተማቒሎሞ እዮም። እቲ ሓላፍነት ”ወረዳዊ-ባይቶ”፤ ነቲ ናይ ዶክቶራት-ስርሓትን፤ ኣብ ሆስፒታል ዚግበር ሕክምናን ክንክን-ሕማምን፤ ናይ ጥዕና-ማእከላትን፤ ኣብቲ ኮሙን ናይ ዘሎዉ ኣረጋውያን መደቀሲታትን፤ ከምኡውን ገለ ናይ ሕሙማት መቐመጢን እዩ። እቲ ናይቲ ”ኮሙን” ሓላፍነት ድማ፤ እቲ ብነርስታት ዚወሃብ ናይ ሓለዋ-ጥዕና፤ ብድሕሪ ሕማምካ ናብ ስራሕ ንንምላስ ዚግበር ”ልምምድ-ስራሕ”፤ ብናይ ምንቅስቓስ-ነርስታት፤ ኣብ ናይ ኣረጋውያን መደቀሲታትን፤ መቐመጢ ሕሙማትን ዚግበር ኣገልግሎታት እዩ።

ህጹጽ-ረድኤት ዘድልዮ ክንክን-ሕማም
ናይ ህጹጽ-ረድኤት ሓገዝ ዘድልዮ ከቢድ ሕማም ወይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምስ ትወድቕ፤ ናብታ ናይ ረድኤት ቁጽሪ 112 ደውል።

ናይ ጥዕና-ማእከላት
ሕማምካ ኣጻዳፊ ምስ ዘይከውን፤ ብቐዳምነት ምስቶም ኣብዚ ዚስዕብ ቦታታት ዘሎዉ ናይ ጥዕና-ማእከላት ርክብ ግበር።
ኣብ Bjästa ቴሌፎን 0660-899 53
ኣብ Bredbyn ቴሌፎን 0661-65 41 01 
ኣብ Domsjö-Sund ቴሌፎን 0660-29 26 20
ኣብ Husum-Trehörningsjö ቴሌፎን 0663-199 20
ኣብ Själevad ቴሌፎን 0660-575 60
ኣብ ማእከል ኦርንሾልድስቪክ ዚርከብ፤ ናይ ጥዕና-ማእከል Ankaret፤ ቴሌፎን 0660-29 27 10
ኣብ ማእከል ኦርንሾልድስቪክ ዚርከብ ”HumanResurs” ናይ ጥዕና ማእከል፤ ቴሌፎን 0660-22 26 70.
እዚ ”HumanResurs” ዝበሃል ጥዕና-ማእከል፤ ብግሊ ዚካየድ ኮይኑ፤ እተን ዝተረፋ ናይ ጥዕና ማእከላት ግን ብ”ወረዳዊ-ባይቶ” ዝመሓደራ እየን።

ምኽርን ሓበሬታን ኣብ ጊዜ ምሕማምካ ምኽሪ ምስ ትደሊ፤ ናብቲ ለይቲን-መዓልቲን ክፉት ዝኾነ፤ ናብ ”ምኽሪ ክንክን-ሕማም” (sjukvårdsupplysningen) ብቑጽሪ ቴሌፎን 1177 ርክብ ግበር። ኣብዚ ”ምኽሪ-ክንክን-ሕማም” ድማ፤ ኣብ ኢንተርነት ዚህቦ መምርሒ-ክንክን፤ ብነንበይኖም ቋንቋታት ሓበሬታታት ሰፊሩ ኣሎ።external link, opens in new window

 

Sidan uppdaterades

2017-07-05

Sidansvarig: