ነጻ-ጊዜን ባህልን

Fritid och kultur

ኣብዚ ቂሐ-ጽልማዊ ዝኾነ ባህርያዊ-ፍጥረትን ከምኡውን ሃብታም ዝኾነ ማሕበራዊ- ህይወት ናይ ኦርንሾልድስቪክ፤ ንብዙሕ ካብቶም ዘሎዉኻ ግዳሰታት ከርውዩ ዚኽእሉ ዕድላት ኣሎዉ።

ስፖርታዊ-ምንቅስቓሳት
ስፖርታዊ-ምንቅስቓሳት ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ብዙሕ ሰብ ዝነጥፈሉ ነገር እዩ። ኣብ ”Fjällräven Center”፤ ናይ በረድ ሜዳ፤ ናይ ”ሙዶ-ኢሶኪይ” (Modo ishockey) ብኤሊት ደረጃ ዝጻወቱሉ ሜዳ እዩ። ኣብዚ ከተማ ውን ንኩዕሶ-እግሪ፤ ኢነ-ባንዲ፤ ከርሊንግ፤ ዓበይቲ ኣዳራሻት ኣሎ። ከምኡውን ”Skyttis idrottsanläggning” ዝበሃል ንናይ ስፖርታዊ-ምንቅስቓሳትን ጉያ-በረድን ዝተዳለወ ህንጻ ኣሎ። ”ፓራዲሰት” (Paradiset) ዝተባህለ፤ ኣዝዩ ፍትዊ ዝኾነ ናይ ተንቀሳቓሲ-ማይ መሐምበሲን፤ ”ኤስ.ፐ.ኣ”  ከምኡውን ”ባስቱን” ዘሎዎ እዩ።

መሐምበሲ-ኣዳራሻት፤ ናይ በረድ-መገድታት፤ መብራህቲ ዘሎዎ መንቀሳቐሲ-ቃራናታት፤ ኣብ በበይኑ ቦታታት ይርከብ እዩ።

ባህራያዊ-ፍጥረት
ኣበየናይ ክፋል ናይዚ ኮሙንዚ ከምትቕመጥ ብዘየገድስ፤ ኩሉ እዋን ባህራይዊ ፍጥረት-ኣብ ቀረባኻ ይርከብ እዩ። ኣብዚ ጫካታት ሰንጢቖም ዝኸዱ መገድታታን ቃራናታትን፤ ናይ ሸታሕታሕ-በረድ መገዲታትን ዓቐባታትን ኣሎዉ። ባሕርን ቀላያትን፤ ከምኡውን ዓሳ ንምጽማድ፤ ንምሕምባስን ንምጅላብን ዚዕድሙ ኣፍላጋትን ኣሎዉ።

እቲ ሽወደናዊ ”መሰል ኩሉ-ሰብ” ዚብል ኣምር፤ ለጋስ ንዝኾነ ባህሪያዊ-ፍጥረት ንምጥቃም ዚዕድም እዩ። ይኹንእምበር ንሱ ድማ ብዛዕባ እንስሳን፤ ኣትክልትን፤ ሓልዮት-ከባቢን ሓላፍነት ክንወስደሉ ዚግበኣና ጠለባት ድማ ዘሎዎ እዩ። ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ናይ ቤትስልጣን ሓለዋ ባህራያዊ-ፍጥረትexternal link, opens in new window ኣቲኻ፤ ኣየናይ ሕጊ ከም ዘገልግል ክትርእዮ ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ብብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

መጻወቲ-ፓርክ
ኣብ ብዙሕ ከባቢታት፤ ጽቡቕን ሓደስቲን መሳርሒ-ዕጥቂታት፤ ጣዋሉ፤ ኮፍ-መበሊ፤ ምሉእ ስድራቤት ክሕጐሰሉ ዚኽእል ስጋ-መጥበሲ ዘሎዎ፤ መጻወቲ-ፓርክታት ኣሎ።

ናይ ነጻ-ጊዜ ኣዳራሻት
ኣብቲ ናይ ነጻ-ጊዜ ኣዳራሻት (fritidsgårdarna) ኣብ ጊዜ ምሸት መንእሰያት ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ቦታዚ ዓበይቲ ሓለፍቲ ዘሎዉዎ ኮይኑ፤ እዚ ንጥፈታት እዚ ካብ ሓሽሽን ድርጋን ድማ ነጻ እዩ። ከም ወላዲ መጠን መጺእካ ነዚ ኣዳራሻትዚ ክትበጽሖ ንዕድመካ።

እዚ ናይ ነጻ-ጊዜ ኣዳራሻት፤ ኣብ ”Bjästa”፡ ”Björna”፡ ”Bredbyn”፡ ”Domsjö”፡ ”Gideå”፡ Gullänget”፡ ”Husum”፡ ”Järved”፡ ”Mellansel” ከምኡውን ኣብ ”Själevad” ዝተባህለ ቦታትት ኣሎ። ኣብ ማእከል ኦርንሾልድስቪክ ”ሰንትሩም”፤ ”Sliperiet” ዝተባህለ ናይ ነጻ-ጊዜ ኣዳራሽ ኣሎ።

ቤተ-ንባብ
ኣብ ኦርንሾልድስቪክ፤ ኣብቲ ”Arkenbiblioteket” ዝተባህለ ቤተ-ንባብ፤ ብነንበይኑ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲን ሙዚቃን ክትልቃሕ፤ ጋዜጣ ክተንብብን ኢንተርነት ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ። ንቘልዑ ዚኸውን ናይ ጽውጽዋይን ትያትርን ናይ ምንባብ-መተባብዒ ንጥፈታትን መደባት ውን ኣሎ።

ናይ ከባቢ ቤተ-ንባብ፤ ኣብ ”Bjästa”፡ ”Björna”፡ ”Bredbyn”፡ ”Husum”፡ ”Själevad”፡ ”Skorped”፡ ”Trehörningsjö” ከምኡውን ኣብ ቤትትምህርቲ ”Nolaskolan”ንን ኣብ ቤትትምህርቲ ”Örnsköldsvik” ኣሎ።

ቤተ-መዘክር፤ ኢደ-ጥበብን ሙዚቃን
ኣብ ናይ ኦርንሾልድስቪክ፤ ታሪኽ ናይዚ ከባቢ ዘዘንቱ፤ ቤተ-መዘክርን፤ ኣዳራሻት ኢደ-ጥበብን፤ ስነ-ምርኢታትን ክትረክብ ኢኻ። እቲ ”Hembygdsgårdarna” ዝብል ዘርእየካ፤ እቲ ባህላዊ ውርሻታትና እዩ። ኣብ ገማግም ናይቲ ስንጭሮ ፈለግ ”Nätra” ድማ ”High Coast Art Valley” ዝተባህለ፤ ባህሪያዊ-ፍጥረት ምስ ኢደ-ጥበባዊ-ስርሓቱ ክትርኢ ኢኻ።

ንትያትርን ንሙዚቃን ዚኸውን ነነበይኑ ናይ ኣዳራሻት ዕድላት ኣሎ። ኣብ ”ጊደዮ” (Gideå) ካብ መድረኻት ኤውሮጳ ብቐጥታ ዝተሓላለፍ፤ ናይ ”ኦፔራ” ትልሂት ክትርኢ ኢኻ። ነዚ ባህላዊ-ቀረባት ናይ ኦርንሾልድስቪክ ተወሰኺ ዚኸውን፤ ናይታ ጐረቤት ከተማ ”ኡመዮ” ባህላዊ መደባት ውን ትረክብ ኢኻ።

ኣባል ማሕበር ኩን
ኣብ ሓደ ማሕበር ኣባል ምዃን፤ ምስ ሓደስቲ ሰባትን ሓደስቲ ቦታታትን ንምልላይ ዚሕግዝ ጽቡቕ ጥበብ እዩ። ምስቲ ንስኻ እትግደሰሉ ንጥፈታት ዘካይዳ ማሕበራት ንምርኻብ፤ ናይዚ ኮሙንዚ ናይ ”ማሕበራት-ቢሮ” ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ምስዚ ናይ ”ማሕበራት-ቢሮ” ብቴሌፎን:- 0660-882 15 ወይ ብኤ-ፖስት:- foreningsbyran@ornskoldsvik.se ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

 

Sidan uppdaterades

2017-01-30

Sidansvarig: