Du är här:

ደገፍ-ቋንቋ ኣብ ክፍሊ-መላመዲን ኣብ ቤትትምህርቲን

Språkstöd i förskola och skola

ቋንቋ ሽወደን ዘይኮነስ ካልእ ናይ ኣደ-ቋንቋ ዘሎዎም ቈልዑ፤ ደገፍ-ቋንቋን፡ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደን፡ መምርሒ-ትምህርቲን ንኽወሃቦም ዕድል ኣሎዎም።

ክፍሊ-መላመዲ
እቶም ካብ 1-5 ዝዕድሚኦም፤ ኣብ ክፍሊ-መላምዲ ዝጀመሩ ቈልዑ፤ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጊዜ፤ ደገፍ-ቋንቋ ክወሃቦም ይኽእል እዩ። እቲ ዕላማ ናይዚ ድማ፤ ኣብቲ ናይ ምጅማር ግዜ፤ ብዝተኻእለ መጠን ንቐልዑን፡ ንወለዲን፡ ንሰራሕተኛታትን ጽቡቕ መበገሲ ንኪኸውን ተባሂሉ እዩ።

ቅድመ-ትምህርቲ ክፍለ-መላመዲ
ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ ዚጅምሩ፤ ሓደስቲ ዝመጹ ቈልዑ፤ ብቛንቋ ኣዲኦም ደገፍ-ቋንቋ ይግበረሎም እዩ። እቲ ዕላማ ናይዚ ድማ፤ ነቲ ቈልዓ ንምሕጋዝን፤ ምስቲ ኣገባብ ቤትትምህርቲ ሽወደን ንምልምማዶምን ተባሂሉ እዩ። ሓደስቲ ዘይኮኑ ቈልዑ፤ ግን ካልእ ቋንቋ-ኣደ ዘሎዎም ምስ ዚኾኑ፤ ነቲ ናይ ቋንቋ ፍልጠቶምን ንምቕሳም-ትምህርቶምን ንምምዕባል፤ ናይ ቋንቋ-ኣደ ሓገዝ ይግበረሎም እዩ።

መባእታዊ-ቤትትምህርቲ
ሓደስቲ ዝመጹ ተመሃሮ፤ ብቛንቋ-ኣዲኦም መምርሒ-ትምህርቲ ይወሃቦም እዩ። እቲ ዕላማ ናይዚ ድማ፤ ነቲ ኣብ ነንበይኑ ዓይነታት-ትምህርቲ ዚቐርበሎም ጠለባት፤ ብዝበለጸ ንኽምክትዎ ዕድል ንምፍጣር እዩ።

ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ዚፍቀደልካ፤ ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለድኻ፤ ሽወደን ዘይኮነ ቋንቋ ምስ ዚህልዎምን፤ እቲ ተመሃራይ ኣብቲ መዓልታዊ መዘራረቢኦም ቋንቋ፤ መሰረታዊ ፍልጠት ምስ ዚህልዎ እዩ። ብተወሳኺ ውን፤ ብውሑዱ 5 ዝተመዝገቡ ተመሃሮን ምስ ዚህልዉን፤ ብቑዕ ናይ ቋንቋ-ኣደ መምህር ምስ ዚርከብን እዩ።

ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኣብቶም ወግዓውያን ዚበሃሉ ቋንቋታት፤ ፊኒሽ፡ ዪዲሽ፡ መአንከይሊ፡ ሮማኒ ከምኡውን ሳሚስካ፤ ዋላኳ እቲ ቋንቋ ኣብ ገዝኦም ናይ መዓልታዊ መዘራረቢ-ቋንቁኦም ኣይኹን፤ ትምህርቲ ቋንቋ ይፍቀደሎም እዩ። እዚ ድማ ዋላኳ እቲ ቁጽሪ ተመሃሮ፤ ካብ 5 ንታሕቲ ምስ ዚኸውን እዩ።

2ይ ደረጃ ቤትትምርቲ ጂምናስዩም
ሓደስቲ ዝመጹ ተመሃሮ፤ ኣብቲ ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ጂምናስዩም ንዝመሃሩ፤ ኣብቲ መጀመርታ ጊዜ፤ ኣብ ሓደ ፍሉይ መዳለዊ-ክፍሊ እዮም ዝምደቡ። ኣብቲ ናይ ጂምናስዩም ቤትትምህርቲ፤ ብቛንቋ-ኣደ መምርሒ-ትምህርቲን ናይ ቋንቋ-ኣደ ትምህርቲን ይወሃቦም እዩ።

ርክብ፡-
ብዛዕባቲ ኣብ ቤትትምህርቲ ዚወሃብ ደገፍ-ቋንቋ፤ ብዝበለጸ ክትፈልጥ ምስ ትደሊ፤ ምስ Karin Andersson (flerspråkigt centrum)፤ ብቑጽሪ ቴሌፎን 073-274 56 01ተራኸብ።

 

Sidan uppdaterades

2017-12-28

Sidansvarig: