ምቍማትን ጽልዋ-ምግባርን

Insyn och påverkan

ከም ተቐማጣይ መጠን፤ ነዚ ኮሙን ክትቋመቶ መሰል ኣሎካ። ሰነዳት ክትርኢ፤ ንኮሙናዊ ፖለቲከኛታት ሓሳባት ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።  

ኣብ ኣኼባታት ኮሙናዊ ባይቶ ተረኺብካ ክትሰምዕ
ኣኼባታት ኮሙናዊ-ባይቶ ንህዝቢ ክፉት እዩ። ኣብቲ ኣዳራሽ ማዘጋጃ-ቤት፤ ኣብ ጐደና Nygatan 16 መጺእካ፤ ወይውን ኣብቲ ብቐጥታ ብኢንተርነት ዝመሓላለፍ ክትዓት፤ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ኣኼባ ኮሙናዊ-ባይቶ፤ ኣብታ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መወዳእታ ወርሒ ዘላ መዓልቲ-ሰኑይ፤ ሰዓት 13.00 ይጅመር።

ቅድሚቲ ናይ ኮሙናዊ-ባይቶ ኣኼባ ምትግባሩ፤ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዚዝተየሎም ጉዳያት፤ ኣብቲ ናይ ኮሙን ኣድራሻ ኢንተርነት ይዝርጋሕ እዩ። ገለ ካብቲ ሰነዳት፤ ቅሉዕ-ሰነድ ዘይኮነ ክህሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሰነድ ናይ ውልቀ-ሰባት ውሳኔታት፤ ወይ ድማ ናብ ኣደባባይ ዘይወጽእ ተነቃፊ-ትሕዝቶ ምስ ዚህልዎን። ከምዚ ዓይነት ጉዳያት፤ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ስለ ዘሎ።

ኩሉ ፕሮቶኮላት ናይ ”ኮሙናዊ ባይቶ”፤ ”ኣመሓደርቲ-ኮሙን”፤ ”ኮሚቴታት” ኩሉ፤ ንህዝቢ ክፉት እዩ። እዚ ፕሮቶኮላት እዚ፤ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ክትረኽቦን፤ ኣዚዝካ ውን ካብ ጸሓፊት ናይቲ ኮሚቴ ክልኣኽለካን ይኽእል እዩ።

እማመ ምቕራብ
ንስኻ ከም ተቐማጣይ ኦርንሾልድስቪክ፤ ንውሳኔ ዝኸውን እማመ፤ ናብቲ ኮሙናዊ-ባይቶ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ እማመ-ዜጋታት ይበሃል።

ክብ ምስቶም ብህዝቢ ዝተመርጹ
ምስቶም ፖለቲከኛታት፤ ብቴሌፎን፤ ብኣካል ወይ ብኤ-ፖስትን ክትራኸቦም ትኽእል ኢኻ። ናይቲ ኮሙን ቁጽሪ ስልኪ፡- 0660-880 00 ኮይኑ፤ ምስቲ ትደልዮ ሰብ ከራኽቡኻ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ፖለቲከኛታትን ሰራሕተኛታትን ናይ ኤፖስት ኣድራሻ ኣጸሓሕፋ፤ ከምዚ ዚስዕብ እዩ። fornamn.efternamn@ornskoldsvik.se

Sidan uppdaterades

2017-12-28

Sidansvarig: