እቲ ኮሙንን ፖለቲካን

Kommun och politik

ኦርንሾልድስቪክ ሓንቲ ካብተን 290 ናይ ሽወደን ኮሙናት እያ። ንጥፈታትን ኣገልግሎትን ናይቲ ኮሙን፤ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ፖለቲካውያን እዩ ዚውሰን። ንኣብነት ኣብያተትምህርቲ፡ ክንክን ሓልዮትን ኣረጋውያን፤ ኣካለ-ስንክልና፤ ማሕበራዊ-ደገፋት፤ ናይ ህጹጽ-ረድኤት ኣገልግሎት፤ ነጻ-ጊዜ፤ ጐደናታት፤ ማይን-ጽሬትን ወዘተ ክጥቀስ ይክኣል።

ሓፈሻዊ ህዛባዊ ምርጫ
ኣብ 4 ዓመት ሓደ ጊዜ፤ ህዝባዊ ምርጫ ይካየድ። ሽዑ ድማ ተቐማጦ ኦርንሾልድስቪክ፤ ነቶም ኣብቲ ኮሙናዊ-ባይቶ ዝምዘዙ ፖለቲከኛታት ይመርጹ። ኩሎም 18 ዓመት ዝመልኡን፤ ኣብዚ ኮሙን ምዝጉባት ዝኾኑን ድማ፤ ኣብቲ ምርጫ ኮሙናዊ-ባይቶ ክካፈሉ መሰል ኣሎዎም።

ኮሙናዊ-ባይቶ
ኮሙናዊ-ባይቶ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ-ኣካል ናይቲ ኮሙን እዩ። ብዛዕባ ኣታዊ-ግብሪን፤ ጠቕላላ መደባትን፤ ባጀት ናይቲ ኩሙናዊ ንጥፈታት ድማ ይውስኑ። ኣመሓደርቲ- ናይቲ ኮሙንን፤ ከምኡውን ናይ ኮሙን ኮሚቴታት ውን ይምዝዙ።

ኣመሓደርቲ-ኮሙን
ኣመሓደርቲ-ኮሙን ነቲ ኮሙናዊ ንጥፈታት ዚመርሑን ዘወሃህዱን ዝከታተሉን እዮም። ንምዕባለ ናይቲ ኮሙንን ቁጠባዊ ትሕዝቶኡን ድማ፤ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ይህልዎም። ኣመሓደርቲ-ኮሙን ነቶም ብኮሙናዊ ባይቶ ክውሰኑ ዘሎዎም እማመታት ድማ የቕርቡ። ምስ ተወሰኑ ድማ ኣብ ግብሪ ይትርጉሙ።

ኮሚቴታት
እቶም ኮሚቴታት ናይ ኮሙን፤ ነቲ ንህዝቢ ናይታ ኮሙን ዚወሃብ ኣገልግሎታት ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዚወስዱ እዮም። ንነፍሲ-ወከፍ እቲ ኮሚቴ ድማ፤ ውሳኔታቱ ዘተግብሩሉ ”ሰራሕተኛታት-ምምሕዳር” ኣሎዉ።

እቲ ”ኮሚቴ-ትምህርቲ” ንኣብነት፤ ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ፤ ነጻ-ጊዜ ናይ ተመሃሮ፤ ቤትትምህርቲ-ባህሊ፤ ቤትትምህርቲ-ቴክኒክ፤ ቤትትምህርቲ-ጂምናስዩም፤ ቤትትምህርቲ-ንዓበይቲን፤ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታትን፤ ሓላፍነት ኣሎዎ።

”ኮሚቴ ማሕበራዊ-ምዕባለ” ድማ፤ ንባህሊ፡ ነጻ-ጊዜ፤ ህንጻታት፤ ከባቢ፤ ጥዕና፤ መጐዓዚ፤ ጐደናታት፤ መናፈሻ-ቦታታትን፤ ህጹጽ-ረድኤትን ሓላፍነት ኣሎዎ።

ኮሚቴ ”ክንክንን-ሓልዮትን” ከምኡውን ”ኮሚቴ-ሰብኣውነት” ድማ፤ ከከም ኣድላይነቱ፤ ንነንበይኑ ሓገዛት፤ ክንክንን-ሓልዮትን ሓላፍነት ይወስዱ። ንኣብነት መቐመጢ-ኣረጋውያን፤ ሓገዝ ናይ ስንኩላን፤ ሓገዝ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕሙማት፤ ንሽጉራት ቈልዑ ምሕላቕ፤ ጊዝያዊ ቁጠባዊ-ረድኤት፤ ካብ ሕማቕ-ወልፍታት ንምንጋፍ ወይ ካልእ ነገራትን ክኸውን ይኽእል።

ኩባንያታት ናይ ኮሙን
ኣብ ኦርንሾልድስቪክ ንማይ፤ ማይ-ጐሓፍ፤ ጐሓፋት፤ ዳግመ-ምጥቃም (Miva)፤ መቕመጢ-ገዛውቲ (Övikshem)፤ ጸዓት (Övik energi)፤ መዓርፎ-ነፈርቲ (Övik Airport) ከምኡውን ናይ ኦርንሾልድስቪክ ኣገልግሎት-ወደብን ሎጊስቲክን (Örnsköldsviks hamn och logistik)፤ ዘካይዳ ኮሙናዊ ኩባንያታት ኣሎዋ።

 

Sidan uppdaterades

2017-01-30

Sidansvarig: