Du är här:

ስራሕ ምርካብን ንግዳዊ-ህይወትን

Arbete och näringsliv

ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ 20 ክሳብ 64 ዝዕድሚኦም ተቐማጦ ናይዚ ኮሙንዚ፤ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘሎዉ እዮም። ብዝሒ ሰራሕተኛታት ደቂኣንስትዮ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ማዕረ እዩ። እቲ ልሙድ ስራሕ ኣብ ፋብሪካ እዩ። ኢንዱስትራያዊ ፍርያት ንወጻኢ ኣብ ዚልእካ ዓበይቲ ኩባንያታት ድማ፤ ክኢላታት ሰራሕተኛታት ናይ ”ኬሚስትሪ”፤ ”ሂይድራውሊክ”፤ ”ድራይቭ-ሲስተም” ከምኡውን ኣብ ፍርያት-ዕንጸይቲ ኣሎዉ እዮም። ብዙሓት ኣብ ክንክን-ጥዕናን፡ ሓልዮትን፡ ኣብ ትምህርቲን ዝሰርሑ ውን ኣሎዉ። እቲ ኮሙንን እቲ ወረዳዊ-ባይቶን እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ ናይዚ ከባቢ እዮም።

ነቶም ካብ ”ኖርዲክ-ሃገራት” ወይ ካብ ”ሕብረት-ኤውሮጳ” ዘይመጹ ወጻእተኛታት፤ ናታታም ናይ መንበሪን-ስራሕን ፍቓድ ሓላፍነት ዘሎዎ፤ ሚግራሾንስቨርከት እዩ። 

ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ (Arbetsförmedlingen)፤ ነቶም ኣብ ምድላይ ስራሕ ዚርከቡ ይሕግዞም፤ ነቶም ደለይቲ-ሰራሕተኛታት ድማ፤ ሰራሕተኛ ንኽረኽቡ ይደጋገፍዎም እዮም። ኣብቲ ናይ ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ ኣድራሻ ኢንተርነት፤ ገለ ካብቲ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት ምልክታ ይወጽእ እዩ። ሰራሕተኛታት ዚምልምሉን ሰራሕተኛታት ናብ ካልኦት ኩባንያታት ዘካርዩን ትካላት ውን ኣሎዉ።

እቲ ኮሙን ምስ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳን” (Försäkringskassan) ምስ ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕን ተሓጋጊዙ፤ ናብ ስራሕ ዘምርሕ ናይ ትሃድሶ መደባት የዳሉ እዩ። እቲ ብምኽንያት ናይ ነዊሕ ጊዜ ምሕማም፤ መጕዳእቲ-ስራሕ ወይ ካልእ ምኽንያት፤ ልምምድ-ስራሕ ዘድልዮ ሰብ፤ መታን ከም ብሓድሽ ናብ ስራሕ-ዓለም ክምለስ፤ ኣብዚ ናይ ትሃድሶ መደባት ክሳተፍ ይኽእል እዩ። እቶም ከቢድ ስንክልና ዘሎዎምን፤ ኣብ ስራሕ-ዓለም ክወዳደሩ ዘይክእሉን ሰባት፤ ኣብቲ ኮሙናዊ መዓልታዊ ንጥፈታት ክሰርሑ መሰል ኣሎዎም።

ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕexternal link, opens in new window ከምኡውን ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳንexternal link, opens in new window ብብዙሕ ቋንቋታት ዚወሃብ ሓበሬታታት፤ ኣብቲ ነናቶም ኣድራሻ ኢንተርነት ኣሎዎም።

ሓገዝ ንትካላት
ንትካላት ዚወሃብ ሓገዝ ኣብ ኦርንሾልድስቪክ፤ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ንግዳዊን ትካላዊን ኣሰራርሓ ልምዲ ኣሎ። ናይ ቅድሚ ሕጂ ትካል ዘሎካ ወይ ሓድሽ ትካል ክትከፍት ትድሊ ምዃንካ ብዘየገድስ፤ ምስቲ ”ኮሙናዊ ናይ ትካል-ኣገልግሎት ምምሕዳር” ንኽትራኸብ ዕዱም ኢኻ። ብዛዕባ ገዛውቲን፤ ናይ ወፍሪ-ገንዘብን፤ ንግዳዊ መደባትን፤ ሕጊታትን፤ ርክብ ምስ ሰበስልጣናት ወዘተ፤ ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ናይ ትካል-ኣገልግሎት ቁጽሪ ስልኪ፡- 0660- 883 86 ወይ 0660-887 27 እዩ።


Sidan uppdaterades

2017-01-30

Sidansvarig: